„Beobachtung durch das Fenster

Unser erster Artikel auf Tigrinha ! (Hauptsprache in Eritrea)
Von Michael Okubamariam

ኣብ ሓንቲ ካብ ዝምስጣኒ ኣብ ጀርመን ትርከብ ብተዛማዲ ንእስ ዝበለት ከተማ ፖትስዳም እየ ዝነብር ዘለኹ። ብዙሕ ግዜ ካብ ሳልሳይ ደርቢ ብመስኮት ምዕዛብ ይፈቱ። ብዝሒ ጽርግያታት ኣብ ዝቆራረጸሉ ንሕጊ ሴማፎሮ ተኸቲለን ብቐደም ተኸተል ንምሕላፍ ጽቕጥቅጥ ናይ መኻይን ይዕዘብ። ዳርጋ መዓልታዊ ወይ እውን  ክልተ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ፡ „ዊው ዊው“ ዝብል ረባሺ ድምጺ እናገብራ ብስራሕ ዝንቀሳቐሳ ናይ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ፡ ናይ ፖሊስ፡ናይ ሕክምና  መኻይን ድምጸን ብጣዕሚ እዩ ዝምስጠኒ ምክንያቱ ኩለን ንድሕነትን ረዲኤትን እየን ዝንቀሳቐሳ። እቲ ዘስሕቐኒ ኣብ እዛ ዝጽሕፈላ ዘለኹ እዋን እውን ከይተረፈ ድምጺ ናይ ሓንቲ ኣምቡላንስ ይሰምዕ ኣለኩ ንዓይ ግን ይምስጠኒ ጥራይ ዘይኮነ ኣመና እዩ ባህታ ዝፈጥረለይ።     ቀትሪ ሴማፎሮ ተጸብዮም ዝሓልፉ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ካብዝን ናብትን ክብሉ ገለ ብስራሕ ገለ ብምዝንጋዕ ለይቲ ከኣ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም መስተ ዓትዒቶም ዝንቀሳቐሱ መንእሰያት ሂይወት ከስተማቕሩ፡ ሓደ ምስ ሓንቲ ተተሓሒዞም ዝንቀሳቐሱ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ክዕዘብ እንከለኹ ብጣዕሚ ይስሕቡኒ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ኣብ ከንፈሮም ይሰዓዓሙ ኣካል ናጽነቶምን ምትእምማኖምን ስለዝኾነ እዮም ዝሰዓዓሙ ዝኾኑ ኢለ ይሓስብ። ሰብ ጸጋ ዕድመ ኣብ ኤርትራ ሃገረይ ኣብ ጎደናታት ክሰዓዓሙ ዘይልሙድ እዩ። ኣብ ፖትስዳም ግን ንቡር ኮይኑ ጸኒሕኒ።       ኣብ እዛ ዘለኽዋ ቦታ ኮይነ ንግዳም ብምዕዛብ ካብ ተግባራት ደቅ-ሰባት ብዙሕ እየ ዝመሃር። ገለ ተሓቛቖፉ ገለ ይሰዓዓሙ ገለ ይተሓላለዩ፡ ገለ ይደጋገፉ፡ ገለ ይጸራረፉ ገለ ካልእ በቃ ህይወት ብብዙሕነት ዝቖመት እያ። ብዙሕነት ከኣ ጽባቐ እዩ።  ካልእ ኣብ ብመስኮት ኮይነ ክሳብ ርሑቕ ብምምዕዳው ዝምስጠኒ ሰጥ ዝበለ በግራብ ዝተሸፈነ ብማያዊ ክፍሊ ዝቆራረጽ ቅርጺ-መሬት ከኣ ናብ ልበይ ኣትዩ ናይ ጽባቐ ጠለስታ እዩ ዝፈጥረለይ። ግን ድማ ንእግረመንገደይ ሕቶ የልዕል እዘን ንምንባር መቐረት ወሲኸናሊ ዘለዋ ኣዚየን ብዙሓት መኻይንሲ  ክንድምንታይ ብዝሒ ዘለዎ ነዳዲ የጥፍኣ ይኾና፧ ኣብ ክሊማዊ ለውጢኸ ኸመይ ይጸልዋና ይህልዋ፧ ይሓስብን የተሓሳስበንን።

Deutsche Übersetzung:
Ich habe geschrieben, was ich durch das Fenster meiner Wohnung beobachte. Ich habe zu erst versucht zu erklären, dass ich in einer Wohnung an der Kreuzung in dritte Etage Wohne.  Um die Regeln der Ampel zu halten, warten die Autos. Ohne Regeln wäre das Leben schwer. Daher gibt es fast immer Stau. Es gibt auch Lärm von Rettungsdienst. Dieser Lärm gefällt mir trotzdem, weil ich gleichzeitig an Rettung der Menschen denke. Was ich noch geschrieben habe ist auch über die Aktivitäten der Potsdamer, wie die Freiheit der junge und ältere Menschen ein bisschen von den Aktivitäten der Menschen meines Lands unterscheidet. Alles was ich beobachte gefällt mir, da ich in andere Welt lebe. Ein weitere Beobachtung ist, dass die Landschaft mir gefällt. Die Bäume, die Flüsse sind ganz attraktiven. 

image_pdfRunterladen als PDF

Schreibe einen Kommentar

Deine E-Mail-Adresse wird nicht veröffentlicht. Erforderliche Felder sind mit * markiert